ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ናይ ውሽጥን ግዳምን ጸላእቲ ምሕላው ፡ ብመሰረቱ ድማ ትግባረን ቀጻልነትን ሃገራዊ ቅዋም ምውሓስ ካብ ቀዳሞት ሓላፍነታት ሰራዊት ምክልኻል እዩም። ሰራዊት ኣብ ምክልኻል ፡ ምድሓን፡ ምዕቃብን ምስግጋርን ልዕልናኣ ዝወነነት ኤርትራ ብመሪሕነት ዝነጥፍ ስለዝኾነ ድማ ካብ ህዝቢ ዝበረኸ እምንቶ ኣለዎ።
ካብ ህዝቢን ናይ ህዝቢን ዝኾኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ ግዳምስ ይትረፍ ነቶም ካብ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ዝወፍሩ ረቀቕጢ ወራራት ኣብ ዝባኖም እንዳጽሓዩ ክሳዕ ሕጂ ሃገር ምስ ኩሉ ጸገማታ ደው ኢላ ክትጸንዕ ኣኽኢሎም ዘለው ኣብ ጅግንነት ዝነብሩ ጓሶት ሃገር’ዮም። ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ታሪኽ መኸተን ምጽማምን ፡ ታሪኽ ኣብያን ሓለዋን፡ ታሪኽ መስዋእቲን ሕልፈትን ኮይኑ ኽስነድ እንከሎ እምበኣር ነዚ ታሪኽ እዚ ዘቖሙ ካብ ብርኪ ህዝቢ ዝወጽኡ ከራህቲ ሕሰም ህዝቦም ዝኾኑ ጀጋኑ ወለዶታት ክወራረሱ ዝለዝጸንሑ እዩ።
ቅድሚ ሽውዓተ ዓመት ኣብ ጥሪ 21 ናይ 2013፡ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ መስዋእቲ ዝኸፈሉ መኮንናት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘስመርዎ ሓደ ሓቂ እንተነይሩ ድማ ሰራዊት ሕሰም ህዝቢን ሃገርን ክቕንጥጥ ዝለዓለ ዓቕሚን ባይታን ከምዘለዎ እዩ። እቲ ናይ 2013 ፍጻሜ፡ ውጽኢቱ ብዝተፈላለዩ ረቛሕቲ ምሉእ እኳ እንተዘይነበረ፡ ሓይልታት ምክልኻል ንጽባቐን ድሕነትን ኤርትራ ሰለም ከምዘየብሉ ንህዝቢ ዘመስከርሉ ገዚፍ ሃገራዊ ወስታ እዩ ነይሩ።
እቶም ውፉያት ፣ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ከምኡ’ውን ድሕነት ሃገር ብዙሕ ዝደመዩ -ዝተዋግኡን ዜዋግኡን -ሓርበኛታት ኮይኖም ፣ ሕቶኦም ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝነበረ። ፖለቲካውያን እሱራት ጉዳዮም ፍርዳዊ መስርሕ ክኽተል፡ ቁዋም ኪትግበር፡ ስሉሳን ኣካላት መንግስቲ እንዳተሓላለዉን እንዳተጸላለዉን ክሰርሑ፡ ብቐንዱ ድማ ንግስነት ሓደ ሰብኣይ ተኣልዩ ብንግስነት ቅዋም ይተካእ ዝብሉ ሃገራውያን ጠለባት ሓዚሎም እዮም ንለውጢ ተበጊሶም።
እታ ብኩሉዓይነታዊ መስዋእቲ ዜምጸእዋ ናጽነት፣ እታ ዶባታ ከይድፈር ዳግም ዝተበጀዉላ ሃገር መጻወቲ ውሑዳት ኪትከውን ምርኣይ ሕልነኦም ስለዘይፈቐደሎም እዮም ድማ ልዕሊኦም ዝርከቡ ጀነራላት ኪገብርዎ ዝግባእ ተበግሶ ወሲዶም ንለውጢ ዝነቐሉ።
ካብ እዋኑ: ዕላመኦም ብመስዋእቶም ራህዋ ብዙሓት ምርግጋጽ ስለዝነበረ ፣እቶም ጀጋኑ: ፎርቶ ደዪቦም ስርሒት ድሕሪ ምፍጻሞም ወዲ ዓሊ ኪስዋእ ከሎ: ኣብረሃም ገብረሚካኤል፡ ኣለም ግዝዋን በርሀ ዕንሹን ተኸቢቦም ድሕሪ ምትሓዞም ተረሺኖም ድዮም ወይስ ብህይወት ይሳቐዪ ኣለዉ ብዕሊ ዝፍለጥ ነገር የለን።
እዞም 3/4 ናይ ዕድሚኦም ንናጽነትን ምኽባር ሉዓላውነትን ዝወፈዩ ግን ከኣ ብዘይ እኹል መለሳን ካሕሳን ምስ ሃገር ደዉ ዝበኡ ደቂ ህዝቢ ፣ኣብ ፎርቶ ዘልዓልዎ ሕቶ ናይ ህዝቢ ሕቶ እምበር ናቶም ናይ ውልቆም ወይ ናይ ሰራዊት ምክልኻል ጥራይ ኪኸውን ኣይመረጹን። ጠለባቶም ሃገራዊ ፍታሕ ክሰምር እምበር ናይ ሰራዊትን መነባብሮን ሕቶ ኣይነበረን። ዘይከምቶም ሰራዊት ካልኦት ሃገራት ዝገብርዎ ናይ ደሞዝ ፡ መነባብሮን ሽመትን ጠለባት፣ እዞም ጀጋኑ-ፎርቶ ልበኖኦም ኣስፊሖም ቅዋም ክትግበር፣ ብዘይ ፍርዲ ዝተኣሰሩ ኣሽሓት ንጹሃት እሱራት ኪፍትሑ ፣ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱ ኪኽበርዮም ኪሓቱ መሪጾም።
ንሳቶም ዘቕረብዎ ጠለብ ንክቡር ባህሊ ሓይልታት ምክልኻል ዜንጸባረቐ’ዩ ኔሩ። ብቐንዱ ድማ ንተራ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ምዝዛም ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ዜዘኻኸረዩ። ሰራዊት ኣብ ዝኾነት ሃገር ናይ ለውጢ ልኡኽዩ። ብፍላይ እቲ ህዝቢ ዜቐድም ሰራዊት ተርኡ ብግቡእ እንተተጻዊቱ፣ ናይ ሓንቲ ሃገር ዋሕስ ድሕነትዩ።ግብጺ ናብ ገደል ኣብ ዘምረሓትሉ እዋን ብሰራዊት ምክልኻል ናይታ ሃገር ዝተወሰደ ናይ ድሕነት ስጉምቲ፣ ቱርኪ ናብ ጸድፊ ኣብ ዝተጓዕዘትሉ እዋን ብመራሕቲ ሰራዊት ቱርኪ ዝተኸፈለ መስዋእቲ፡ ከምኡ’ውን ዙምባቤ ንዝሸምገለ መላኺ ኽትኣሊ ሰራዊታ ዝተጻወቶ ተራ ናይ ቀረባ እዋን ኣብነታት እዮም።
ስለዚ መራሕቲን ኣባላትን ምክልኻል ኤርትራ እቲ ኣብ ጥሪ 21 ዝተጀመረ ገዚፍ ዕማም ብምዝዛም ፣ ኤርትራ ብቅዋም እትመሓደር፣ ህዝባ ብሰላምን ሓርነትን ዝነብረላ ሃገር ኪትከውን እጃሞም ኬልዕሉ ታሪኽ ዝሓቶም ሓላፍነትዩ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ለውጢ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኪመጽእ ብሃንቀውታ ዝጽበየሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ- ካብዚ ሓቂ’ዚ ዝነቅልዩ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ነቶም ንናጽነት፡ ሓለዋን ቀጻልነትን ኤርትራ ህይወቶም ፡ ኣካሎምን ግዜኦምን ዝሰውኡን ገና ዝስውኡ ዘለዉን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!

ArticlesErisat ProgramsFeatured ArticlesLatestPress Releaseትግርኛ