ቴሌቪዥን ኤሪሳት ፥ እዋናዊ ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ዓዲ
ካብ ገለ ሰብስልጣንን ሓያለ ተራ ዜጋታትን ኢትዮጵያ ንልዑላዊ ግዝኣት ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝራባሕ ዘሎ ተጻብኢ ርእይቶታት ደው ኽብል ብወገን’ቲ ኣብ ኤርትራ መንግስትነት ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ ስምዕታን ዲፕሎማስያዊ ድሎን ይርአ ብዘይምህላዉ፡ ካብ መላእ ህዝብና ልዑል ቊጥዐ ይንጸባረቕ ከምዘሎ ወኪላት ቴሌቪዥን ኤሪሳት ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።
ንልዑልነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝፈታተን ሓሳብን ርእይቶን ብሸነኽ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብቓልዕ እንዳወጸ፡ ጉጅለ ህግደፍ ይትረፍ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ጸዊዑ ወግዓዊ ይቕሬታ ኽጠልብ፡ ንወስታ’ኳ ናይ ኩነኔ መግለጺ ዛጊት ኣይሃበን ዘሎ።
ህዝቢ ኤርትራ በቶም ንመሬቱን ባሕሩን ምስኣኖም ወትሩ ብውሽጦም ዝጉህዩ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ናይ ስምዒት ርእይቶታትን ሓሳባትን ንቡርን ዘየሻቕልን ተርእዮ ገይሩ ዝወስዶ’ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ይኣሊ ኣለኹ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ ነዞም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ተበጺሑ ካብ ዝበሃል ሰዓት ዝራብሑ ዘለዉ ንልዕልና ሃገረ ኤርትራ ዝጻብኡ ተኽቶዂቲ ርእይቶታት ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዓገብ ክብል ዘይምብጋሱ ግዳ ሓለፋ ካልእ ኣግሁይዎን ብመርገጺ እዚ ጸቢብ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ ልዑላውነት ኤርትራ ልዕሊ ካልእ እዋን ኽጠራጠር ገይርዎን ኣሎ።
ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታትን፡ ምሁራት፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን ኣብ መሳዂቱ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መራኸቢ ብዙሓንን እንዳወጹ ኤርትራ ንግዜኡ እምበር ዘይትንጸል ክፋል ኢትዮጵያ ምዃና ዘፍእሙ ርእይቶታት ብዘይሕንከት ከካፍሉ እንዳተሰምዑ፡ ስማዊ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝኾነ ተቛውሞ ዘይምርኣዩ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣተሓሳሲብዎ ከምዘሎ ዝሓበረ ወኪል ኤሪሳት ካብ ከተማ ኣስመራ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣብ’ቶም ናብ ኢትዮጵያ ተፈንጢዙ ዘካይዶም ዘሎ ብጽሖታት ዘምልቖም ዘሎ ዘረባታት እዉን ካብ’ቲ ብሸነኽ ኢትዮጵያውያን ዝመጽኡ ዘለዉ ኣሰከፍቲን ተጻባእቲን ርእይቶታት ዘይፍለዩ ብምዃኖም ፡ ጽልኣት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ባዕላዊ መራሒ ጥርዚ በጺሑ ምህላዉ ኣረዲኡ።
እቶም ካብ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝውሕዙ ዘለዉ ተዂቶኽቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ብሰንኪ ስቕታ ጉጅለ ህግደፍ ናህሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዛይዱ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ናብ ድሩቕ ዘለፋን ቅሉዕ ጸለመን ልዑላዊ ግዝኣት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክዓርጉ ይረአ ኣሎ።
ካርታ ኤርትራ ምብዋዝ፡ ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ምጥምዛዝ፡ ከምኡ’ውን ናጽነትን ልዓላውነትን ኤርትራ ምንጻግ ዝኣመሰሉ ኣስከፍቲ ተርእዮታት እንዳረኣየ ሱቕ ዝብል መንግስቲ መንግስትና ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝበሉ ሓደ ወላዲ ተቐማጢ ከተማ ኣስመራ፡ እዚ ግዜ እዚ ሰብናን ዘይሰብናን ከምኡውን ዘይመራሕትና ከነለሊ ኣኽኢሉና ኣሎ ክብሉ ገሊጾም።
ስቕታ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ’ዚ ኣሰካፊ ተርእዮ ንህዝብና ኣቕሒሩ ከምዘሎ ዝገለጻ ሓንቲ ኣደ’ውን፡ እዚ እዋን እዚ ህዝብና ወናኒን ሓላዊን ናጽነቱን ሉኣላውነቱን ባዕሉ ጥራይ ምዃኑ ዘዘኻኽር ፈታኒ እዋን ምዃኑ ኣተሓሳሲበን።